ሕልና ዜጋታት ዝሰሓለ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግተን ዲሲ

ብኣሮን ብርሃነ

ኣስታት 500 ግዱሳት ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብ29 ጥቅምቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተኻይዱ። እዚ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካን ካናዳን ዝመጽኡ ሃዋርያታት ለውጢ ዘማዕረግዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብቀጥታ ንዝተሳተፉ ፍናን ነቶም ብማዕዶ ዝተኻታተልዎ ድማ ሞራል ዘስንቕ ኣጋጣሚ ኔሩ።
ሕመረት መልእኽቲ ናይቲ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲ ኣብ ዘጽለላ ሃገር ንክነብር መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳያስ ዝያዳ ጸቕጢ ክገብር ዝጽውዕ’ዩ ኔሩ።
ሰልፈኛታት፡ ‘ውድቀት ንግብረሽበራ!’ ‘ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ!’ ‘ብሓደ ድምጺ እምቢ ንዓማጺ!’ ‘ሰብኣዊ መሰላት ይተሓሎ!’ ‘ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ህግደፍ ይተኣለ!’ ወዘተ ዝብል ብእንግሊዝን ትግርኛን ዝተወቀጠ ኣስታት 100 ጭርሖታት ሒዞም ካብ ድፖንት ሰርክል ሰዓት 11 ናይ ንግሆ ነቒሎም። ጭርሖኦም ብዓውታ እናቃልሑ፡ ሓደ ጭርሖ ድሕሪ ሓደ እናድመጹ ብሞተር ሳይክል ፖሊስ ትራፊክ ተዓጂቦም ንቀንዲ ጎደና ተርቲሮም ናብ ጎደና ሃምፕሻየር ብምጽንባር ናብ ኢምባሲ ኤርትራ ከይዶም። መጉልሒ ድምጺ ናብ ኣፍደገ ኢምባሲ ኤርትራ ብምቕናዕ ኣብ ሃገርና ፍትሒን ዲሞክራስን ክነግስ፤ መሰል ደቂ-ሰብ ክኽበር፤ ጋዜጠኛታት፡ ሃይማኖተኛታትን ፖለቲከኛታትን ካብ ማእሰርቲ ክወጽኡ ብዓውታ ጸዊዖም።  
 ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ኣቶ ግርማይ ገብረማርያም ድሮ ብመቓልሕ ናይቲ ሕልናኻ ዝነክእ ስምዕታ ስለዝተዳህለ ገጽ ሰልፈኛታት ክርኢ ትብዓት ኣይረኸበን። ነብሱ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ለኲቱ ኣስቀጠ። ተግባራቱ፡ ከም ወኪል ጋኒናዊ-ስርዓት ንዝበዝሑ ኣድመኛታት ዘገረመ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ንብሰላማዊ መንገዲ ጻውዒቱ ዘቕርብ ህዝቢ ፊት ንፊት ክትገጥሞ ዘይምድላይ ግን ምህሙን ሕልና ናይቲ ኣምባሳደር ዘጉልሕ ምንባሩ ክበርሃሎም ኪእሉ።
እቲ ዝያዳ ንሰልፈኛታት ዘገረመ ግን ብሓደ ተላኣኣኺ ኢምባሲ ኤርትራ ዝተፈጸመ ተግባር’ዩ። ነቶም ኣፍልቦም ነፊሖም ድምጾም ዘቃልሑ ሰልፈኛታት ያኢ ንምስንባድ፡ ብቪድዮ ካሜራ ይስእል ኔሩ። ብዘይካ ንነብሱ ግን ዘርዓዶ ሰብ ኣይነበረን። እዞም ጨና ለውጢ ዝኾኑ ሰልፈኛታት መረርኦም ከስምዑ ኣማኢት ኪሎሜተራት’ዮም ተጓዒዞም መጺኦም። ዕላማ ስለዘለዎም ፍቕሪ ሃገር ስለዝዓዞም ብቀሊሉ ዝሰናበዱ ኣይነበሩን። ገጾም ቀሊዖም ድምጾም ኣራጒዶም ሰልፎም ብድምቀት ቀጺሎሞ። ገለ ድማ ካሜርኦም መዚዞም ንዕኡ ይስእሉ ኔሮም።
ሎሚ ሸየጥቲ ሕልኖኦም ዝኾኑ ጸረ-ህዝቢ ዜጋታት ዝሓፍርሉ’ምበር፡ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ክሰፍን ዝጽውዑ ባእታታት ዝሕብኡሉ እዋን ኣይኮነን። ስለዚ’ዩ ከኣ መንፈስ ሰልፈኛታት ንላዕሊ ክዓርግ መንፈስ ናይቲ ትእዛዝ ሓለቕኡ ከማልእ ዝመጽአ በዓል ቪድዮ ካሜራ ክርበሽ ዝተራእየ። ካሜራ ጨቢጠን ዝነበራ ኣእዳዉ የንቀጥቅጣ ኔረን። ናይ ሕልና ግጭት ኣብታ እንኮ ርእሱ ገጢሙ ምንባሩ ካብቲ ኣብ ገጹ ዝዋቓዕ ዝነበረ ዝተፈላለየ ስምዒታት ምንባብ ይከኣል ኔሩ።
ሰልፈኛታት ሰጋእ ከይበሉ ንኣስታት 20 ደቓይቕ ኣብ ዙርያ ኢምባሲ ኤርትራ ሰላማዊ ኣድምኦም ብዝግባእ ድሕሪ ምክያድ ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ መሪሾም። ኣብ መንገዶም ብዓውታ ዘቃልሕዎ ጭርሖ ኣቓልቦ ሓለፍቲ መንገዲ ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝነበሩ’ውን ደገ ወጺኦም ነቲ ሰልፊ ከቋምቱን ዕላምኡ ከጣይቑን ደሪኽዎም’ዩ። “ናይ ምንታይ ሰላማዊ ሰልፊ’ዩ?” ሓደ ደቭ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ካብ ስታርባክስ ጠኒኑ ወጺኡ ዝደርበየለይ ሕቶ’ዩ። ሓጺር መብርሂ ምስ ሃብክዎ “ኣብ ጎድንኹም ኣለኹ። ዲሞክራሲ ዘየኽብር ሰብ ሓደ መዓልቲ ውን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ የብሉን፡” ኢልኒ።
ካልእ ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ኣፍልጦ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕባይ’ዩ ኔሩ። ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ፡ ነቲ ሰልፈኛታት ዓቲሮሞ ዝነበሩ ጭርሖታት ከንብቡ ኣብ ዘዝነበርዎ ቦታ ቆይሞም ብኣንክሮ ዝከታተሉ እግረኛታትን ሰብ-መኪናን ኣመሪካውያን ብዙሓት ኔሮም።
መስርዕ ሰልፈኛታት ነቲ ምልኩዕ ጎደና ግርማ ሂቡ ብዙሕ መስቀላዊ መንገድታት በቲኹ ድሕሪ 50 ደቓይቕ ጉዕዞ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ በጺሑ። ጭርሖ ድሕሪ ጭርሖ ብሓደ ድምጺ ተቓሊሑ። ድምጺ ሰልፈኛታት ላዕሊ ዓሪጉ። መንፈስ ተሳተፍቲ ብፍቕሪ ህዝቢ ተመሊኡ ወጽዓ ህዝብና ሓያላን ዓለም ክፈልጡ ብስምዒት ጸዊዑ። ‘ውድቀት ንግብረ-ሽበራ!’ ‘ብሓደ ድምጺ እምቢ ንዓማጺ!’ ‘ውድቀት ንመላኺ!’
እቲ ህሞት ዝደቀሱ ህዋሳት ኣካላት ዘበራብር፡ ዝላሕልሐ ሓድነት ዘደልድል ኣጋጣሚ ኔሩ። ኩሉ ተሳታፊ ብሓደ ቃና ንስቅያት ህዝብና ግዒርሉ። ነቲ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ንምንጽብራቕ፡ ንሓንቲ መንእሰይ ክልተ ኣእዳዋ ንድሕሪት ኣሲሮም ስቅያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሕልና ክንድህስሶ ደሪኾምና። ንዘሎ እገዳ ሓሳብካ ምግላጽ ብድራማዊ መልክዕ ኣቕሪቦሞ። ብዙሓት መንእሰያት ኣፎም ብጨርቂ ዓቢሶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብልቢ ከምዝስቆረና ጌሮም። ቀሊል ኣገባብ ግን ሓያል መልእኽቲ።
ወከልቲ ሰልፈኛታት ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዶ/ር ኮንዶሊዛ ራይስ ዝበጽሕ ደብዳበ ንምክትላ ሚ/ር ዋትሰን ኣረኪቦሞ። ሓደ ካብቶም ንሰልፈኛታት ወኪሉ ደብዳበ ዘረከበ ኣቶ ስዩም ተስፋይ ንተሳተፍቲ ብዛዕባ ዝገበርዎ ርክብ ክገልጽ እንከሎ፡ ምክትል ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ባዕሉ መጺኡ ንመልእኽቲ ሰልፈኛታት ምቕባሉ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝቕጽል ዝያዳ ፍረ ንምምጻእ ርክብና ምስኦም ቀጻሊ ክኸውን ሕቶ ከምዘቕረቡን ኣወንታዊ መልሲ ከምዝረኸቡን ሓቢሩ። ቀጺሉ እቲ ዝተላእከ ደብዳበ ንሰልፈኛታት ኣንቢብሎም። ኩሉ ተሳታፊ ባህታ ተሰሚዕዎ፡ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ክሰፍን ቃልሱ ዳግማይ ከሐይል ብሕልና ተመባጺዑ። ነቲ ንኣስታት 4 ሰዓታት ዘካየዶ ካብ ህጻናት ክሳብ ሽማግለታት ዝሓቖፈ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ዛዚሙ። ሞራሉ ጥርዚ ኣዕሪጉ፡ ሕልንኡ ስሒሉ ተወሳኺ ዕማም ንምፍጻም ነናብ ዝመጻሉ ቦታ ተመሊሱ።
ከምቲ ሓደ ሰልፈኛ ዝበሎ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዜጋታት ዘጓዘመ’ዩ ኔሩ። ሃገርና መስተርሆት ዲሞክራሲ ክሳብ ትረክብ ድማ ጌና መንፈስ ሃዋርያታትና ክጓዝም’ዩ። ወይልኹም ጸረ-ህዝቢ!
ኣሮን ብርሃነ
ሕዳር 9, 2007